Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮን ናብ ፍፃመ ሓሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮን ናብ ፍፃመ ሓሊፎም።

ብ5 ሺሕ ደቂ ተባዕትዮ መፃረዪ ውድድር ኣትሌት ሰሎሞን ባረጋ ካብ ምድብ ሓደ 3ይ ብምውፃእ ናብ ፍፃመ ሓሊፉ።

ካብ ምድብ ክልተ ዮሚፍ ቀጀልቻ 4ይ ብምውፃእ ኣትሌት ሙክታር እድሪስ 7ይ ብምውፃእ ብዝሐሸ ሰዓት ናብ ፍፃመ ሓሊፎም።

ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፥ ኣትሌት ድርቤ ኦልተጂ 1ይቲ፣ ፍሬወይኒ ሃይሉ 2ይቲ ካብ ምድብ ሓደ፣ ሃብታም ኣለሙ ካብ ምድብ ክልተ 1ይቲ ብምውፃእ ሓሊፈን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.