Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ቦስተን ክሳተፉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ቦስተን ብክልቲኡ ፆታ ከምዝሳተፉ ኣሰናዳእቲ እቲ ውድድር ኣፍሊጦም።

ብደቂ ኣኒስቲዮ ሻምፒዮና ማራቶን ዓለም ጎይተይቶም ገብረስላሴን ወናኒት ክብረ ወሰን ብሄራዊ ማራቶን ደቂ ኣኒስቲዮ ኢትዮጵያ አማኔ በሪሶን ኣብቲ ውድድር ክሳተፋ ኢየን።

ብተወሳኺ ኣባብል የሻነህ፣ ኣፀደ ባይሳን ህይወት ገብረ ማሪያምን ኣብ 2023 ተሳተፍቲ እቲ ውድድር ኢየን።

ብደቂ ተባዕቲዮ ድማ ኣትሌት ሌሊሳ ዴሲሳ፣ ሹራ ቂጣታ፣ ኣንዳምላክ በልሁ ፣ ኣንዱዓለም በላይ ከምኡውን ሂርጳሳ ነጋሳ ኣብቲ ውድድር ከምዝሳተፉ ተገሊፁ።

ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ዝካየድ እቲ ውድድር ልዕሊ 28 ሺሕ ተሳተፍቲ ክካፈሉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.