Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሃገራዊ ትልምታታ ብኣጀንዳ 2063 ምስ ዝተቐመጡ ሸቶታት ብምዝማድ ንምትግባር ትሰርሕ ከምዘላ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሃገራዊ ትልምታታ ብኣጀንዳ 2063 ምስ ዝተቐመጡ ሸቶታት ብምዝማድ ንምትግባር ትሰርሕ ከምዘላ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፁ።

ሚኒስትራት ፕላንን ልምዓትን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ትልሚ 10 ዓመታት ኣጀንዳ 2063ን ቀፀልቲ 10 ዓማውቲን ብዝምልከት ብኢንተርኔት ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፋ ሚኒስትር  ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ÷ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ትልምታታ ብኣጀንዳ 2063 ምስ ዝተቐመጡ ሸቶታት ብምዝማድ ንምትግባር ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ኮቪድ 19ንን ጎንፂን ልዑል ዕንቅፋት እንተኾነ እውን ነዞም ፀገማት ብምፅዋር ዝተረኸበ ውፅኢት ንቐፀልቲ 10 ዓማውቲ ተመክሮ ክኸውን ከምዝኽእል ተዛሪበን።

ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ 18 ቢሊየን ከምዝተተኸሉ ሓቢረን።

ኣብዚ ዓመት 6 ቢሊየን ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ይስረሐሉ ከምዘሎ ድሓ ኣብሪሀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.