Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምቁፅፃር ዓሊሙ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝጀመሮ ተበግሶ ትድግፍ ኢያ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምቁፅፃር ዓሊሙ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝጀመሮ ተበግሶ ከምእትድግፍ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ፈንድ ኮቪድ-19 ዘስዕቦ ሓደጋ ንምቁፅፃር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንምድጋፍ ብምሕሳብ በዓል ሓደራ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝጀመሮ ራይዝ ፎር ኦ(Rise for All) ኢኒሼዬቲቭ/ተበግሶ ከምዝተፀምበረት  እተን ፕሬዚዳንት ትማሊ ምግላፀን ይዝከር።

እቲ ፕሮጀክት ብምክትል ዋና ፀሓፊት እቲ ትካል ኣሚና መሓመድ ዕላዊ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ኣብ ዓለም ዘለዋ መራሕቲ ደቂ ኣኒስቲዮ እቲ ለበዳ ዘስዕቦ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉድኣት ንምቁፅፃር ዝሕግዝ መፍትሒ ንምምፃእ ሓድነተን፣ ፃዕረንን ሃፍተ ገነተንን ብምውዳድ ንምስራሕ ፃውዒት ኣቕሪበን ኢየን።

ኮቪድ-19 ዓለም ለኻዊ ምንጋዕ ዝፈጥር ስለ ዝኾነ ነዚ ምላሽ ኣብ ምሃብ ምዝንጋዕ እንተሃሊዩ ሞት ምፅዋዕ ኢዩ ዝበላ  ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ “ኩልና ሰብኣዊ ዓቕምና ብምትሕብባር ንውፅኢት ክንስለፍ ኣለና” ኢለን።

እቲ ቫይረስ ብተናፀል ምቁፅፃር ስለ ዘይከኣል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝጀመሮ ተበግሶ እድግፍ ኢየ ክብላ እውን ገሊፀን።

ሸቶ እቲ ፈንድ ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ 1 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ምትእኽኻብ ዝብል እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክልተ ቢሊየን ንምእካብ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.