Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሕርሻ ብምዝማን ብምግቢ ባዕልኻ ንምኽኣል ትገብሮ ፃዕሪ ንሃገራት ኣፍሪካ ኣብነት ይኸውን ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሕርሻ ብምዝማን ብምግቢ ባዕልኻ ንምኽኣል ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ንሃገራት ኣፍሪካ ኣብነት ከምዝኸውን ተገሊፁ።

“ንኣፍሪካ ንመግብ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኢሉ እውን ንባዕልኻ ኣብ ምኽኣል ዘድሃበ ኣኼባ ሴኔጋል ዳካር ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ሚኒስትር ፕላንል ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ÷ ኣብቲ ኣኼባ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2016 ክሳብ 2022 ተግባራዊ ዝተገበረ ፈላማይ ሃገራዊ ቀረብ ምግቢን ሕርሻን ኮምፋክ ዝተሰነየ ፕሮግራም ዘምፀኦ ለውጢ ኣቕሪበን።

ሓፈሻዊ ሕርሻ ብዝምልከት ኢትዮጵያ እናገበረቶም ዝርከቡ ፃዕሪታት ኣብ ዝምልከት መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን መሓዙት ትካላት ልምዓትን ዝምልከት ገለፃ ገይረን።

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ፈላማይ እዋን ትግባራ ፕሮግራሙ ኢትዮጵያ ብፍርያት ስርናይ ባዕልኻ ንምኽኣል ዝኸደቶ መገዲን ዘዕወተቶ ውፅኢትን እውን ከም ኣብነት ቀሪቡ ልዝብ ተገይሩሉ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ካብ 2023 ክሳብ 2027 ንሓሙሽተ ዓማውቲ ተግባራዊ ዝግበር ካልኣይ ዙር ሃገራዊ ምግቢን ቀረብ ሕርሻን ኮምፋክ ዝተብሃለ ፕሮግራም ከምዝተሰናደአ ካብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.