Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሓይሊ ሰብን ኣማራፂ ዕዳጋን ዝሓዘት ንኢንቨስትመንት ምዕርይቲ ሃገር ኢያ – ቀ/ይ ሚ/ር ጀስቲን ተሩዶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሓይሊ ሰብን ኣማራፂ ዕዳጋን ዝሓዘት ንኢንቨስትመንት ምዕርይቲ ሃገር ምዃና ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ተሩዶ ተዛሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዛዚሞም ሎሚ መዓልቲ ናብ ሴኔጋል ኣምሪሖም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ትሩዶ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ዑደት ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ፃንሒት ዕዉት ከምዝነበረ ገሊፆም።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ምዝታዮም ብምግላፅ፥ ሃገሮም ካናዳ ኣብ ህንፀት ዓቕሚን ዘፈር ኢኮኖሚን ምስ ኢትዮጵያ ተሓጋጊዛ ንምስራሕ ድልውቲ ምዃና ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ዝማዕበለ ዲሞክራሲ ንምህናፅ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ንቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሓገዝ ከምዝገብሩን እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ትርከብ ኢትዮጵያ፥ ካብ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ክሳብ ጥጡሕ ዕዳጋ ዝዘለቐ ዕድል ዝሓዘት ኢያ ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚነስትር ገሊፆም።

ንሕድሕድ ዜጋ ቅኑዕን ማዕረ ዕድል ስራሕን ብዘይምትዕርራይ ግን ብዛዕባ ዕዉትነት ምሕሳብ ኣይከኣልን ኢሎም።

ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ትምህርቲን ዕድል ስራሕን እንተተመዓራሪዩለን፥ ማሕበረሰብ ብቐሊሉ ክብ ንኽብል ከምዝገብራ ኣብሪሆም።

በዚ መዳይ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ካቢኔኦም ማዕርነት ፆታ ብምርግጋፅ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉዳይ መሪሕ ሃገር ንኽትከውን ኣኽሎምዋ ኢዮም ኢሎም።

ካናዳን ኢትዮጵያን ኣብ ዘፈር ንግዲ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ሰነድ ስምምዕነት ምስ ቤት ምኽሪ ማሕበራት ዘፈር ንግዲ ኢትዮጵያ ምፍርራመን እውን ዕላዊ ገይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ተሩዶ፥ ሃገሮም ካናዳ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ዝቕፅል ዓመት “ጉባኤ ካብ ብኽለት ከባቢ ኣየር ዝነፅሀ ቴክኖሎጂ” ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምተተኣናግድ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.