Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሻራዊ ዝኾነ ኢድ ኣእታውነትን ኣብ ልዕሊ ሃገርን መንግስቲን ዝካየድ ወፍሪ ስም ምጥፋእን ኣይትቕበልን – ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሻራዊ ዝኾነ ኢድ ኣእታውነትን ኣብ ልዕሊ ሃገርን መንግስቲን ዝካየድ ወፍሪ ስም ምጥፋእን ከምዘይትቕበል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ እናቐረቡ ብዛዕባ ዝርከቡ ሓገዛትን ካልኦት ስራሕቲን ዝምልከት መግለፂ ኣውፂኡ።

ኣብ መግለፂኡ ድማ ክልል ትግራይ መሊስካ ንምህናፅ ኣብ ዝገበር ፃዕሪ ዝሕግዙ ዓለም ለኸ ተሓባበርቲ ኣካላት ከምዘበረታትዕ ገሊፁ።

ኢትዮጵያ ነቲ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣትሒትካ ንምርኣይ ዝግበር ኣሉታዊ ወፍሪ ከምዘይትቕበል እውን ኣፍሊጡ።

ሕዚ እውን መንግስቲ ኣባላት ጉጅለ እቲ ገበነኛን ጥፍኣተኛታትን ናብ ፍትሒ ንምቕራብ ዝግበር ስራሕቲ ከምዝቕፅል ኣመላኺቱ።

ኣብ ዘሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኹሉ ኣንፈት ኢትዮጵያ ዘርከቡ ዜጋታት ብምኽንያት ገበነኛ ጉጅለ ህወሓት መስዋእትነት ከፊሎም ኢዮም ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ዴሞክራሲ፣ ልምዓትን ሰላምን ዝገብሩዎ ጉዕዞ ጀሚሮም ኢዮም ኢሉ።

መንግስቲ ፌዴራል እዞም ዕላማታት ንዝድግፉ ኣካላት ከምዘተኣናግድ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.