Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተጀመረ ወፍሪ ምፍላጥ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተፀምቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኢትዮጵያ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተጀመረ ወፍሪ ምፍላጥ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምፅምባራ ኣፍሊጠን።

ናብቲ ወፍሪ “ማስክ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ምፀምባራ እውን ገሊፀን።

ኣብቲ ወፍሪ ምፍላጥ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፥ “ናይ ኩልና ተሳትፎ ወሲኹ፣ ፍልጠትና ዓቢዩ፣ ባህሪና እውን ተለዊጡ፣ እቲ ለበዳ ብዝተኽኣለ መጠን ምክልኻል ከምዝከኣል እምተይ ኢዩ” ክብላ ገሊፀን።

ብተወሳኺ ኩሉ ሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምፍራይ፣ ብግቡእ ብምጥቃም፣ ንባዕሉን ንወገኑን ካብ ሕማም ክሕሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

“ዝኾነ ይኹን ሰብ ብሕማም ቫይረስ ኮሮና ንኽተሓዝ፣ ዘይትካእ ህይወቱ ክሓልፍን ምዕባለ ሃገር ንኽተኣጓጎልን ምኽንያት ኣይንኹን” ዝባላ እተን ፐሬዚዳንት፥ ዘይተቛረፀን ዝተሓባበረን ፃዕሪ ሕብረተሰብ እቲ ለበዳ ንምስዓር ከምዝሕግዝ ገሊፀን።

ፍልፍል፦ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.