Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብዓውዲ ሲቪል ኣቪዬሽን ካብ ግዘ ናብ ግዘ ምምሕያሽ እናርአየት ምምፃኣ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ብገምጋም ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ካብ ግዘ ናብ ግዘ ምምሕያሽ እናርአየት ምምፃኣ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርት ወይዘሮ ህይወት ሞሲሳ፥ ንድሕንነት ኦዲት ካብ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ምስ ዝመፅኡ ኣጋይሽ ተዛትየን።

ኢትዮጵያ ብመሰረት ገምጋም ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን 73 ነጥቢ 2 ከምዘለዋ ኣብቲ እዋን ዘተ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ እቲ ነጥቢ ቢቲ ዓውዲ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስራዓ ሃገራት ሓንቲ ንኽትከውን ከምዝገብራ ተገሊፁ።

ብመሰረት ገምጋም ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን፥ ኢትዮጵያ ቀፃልነት ዘለዎን ካብ ግዘ ናብ ግዘ ዕቤት እናርአይት ምምፃኣን ተሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ትካል እተመዝግቦ ልኡል ውፅኢት ኣብ ኢንዱስትሪ ኣቪዬሽን ዘለዋ ተሰማዕነት ከምዝውስኾ እውን ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ጥንካረ ኣቪዬሽን ንጥንካረ መገዲ ኣየርን ምስፍሕፋሕ ተበፃሕነትን መሰረት ብምዃኑ፥ ክሳብ ሕዚ ንዘሎ ተበፃሕነት ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.