Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ተዓዋቲት ውድድር ፅዋዕ ሴካፋ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ብዙር ካብ ዝገበረቶም 4 ፀወታታት  ኩሎም ብምስዓር ሻምፒዮን ኮይና።

እታ ሃገራዊት ጋንታ 12 ነጥቢ ብመሓዝ 12 ምስ ዝነበራ ሃገራዊት ጋንታ ዩጋንዳ ናይ መወዳእታ ፀወታ ሎሚ መዓልቲ ዝተራኸባ እንትኾና፥ ኢትዮጵያ 3 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ተዓዋቲት ኮይና።

ብኣሳናዳእነት ዩጋንዳ ዝተኻየደ ውድድር ፅዋዕ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ፥ ኣብ ሞንጎ 6 ሃገራት ብዙር እናተኻየደ ፀኒሑ ሎሚ መዓልቲ ብዝተገበሩ ሰለስተ ፀወታታት ተዛዚሙ።

ኣብቲ ውድድር ሃገራዊት ጋንታ ሻምፒዮን ብምዃን ተሸላሚት ፅዋዕን ሜዳሊያ ወርቂን እንትትከውን፥ ዩጋንዳን ታንዛኒያን 2ይቲን 3ይቲን ብምዃን ተሸለምቲ ሜዳሊያ ብሪን ነሓስን ከምዝኾና ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.