Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንሓደጋ ካብ ሞንጎ ዝተቓልዑ ዜጋታት 70 ሚኢታዊ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ትሕግዝ ኣላ – ኮሚሽነር ምትኩ ካሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ንተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋ ካብ ሞንጎ ዝተቓልዑ ዜጋታት 70 ሚኢታዊ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ እናሓገዘት ከምዝኾነት ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ  ምትኩ ካሳ ገሊፆም።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ምንካይ ስግኣት ጃደጋ “ምትሕብባር ንድሕንነት መሬትና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸቢሩ።

ኣብቲ ዕለት ኣብ ምክልኻል ሓደጋ ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ  ምትኩ ካሳ ከምዝገለፁዎ፥ ብብርኪ ዓለም ብምኅንያት ለውጢ ከባቢ ኣየር ሓደጋታት እናወሰኹ መፂኦም ኢዮም።

ኢትዮጵያ እውን በቲ ከይዲ ንተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ብሰፊሑ እናተቓለዐት ከምዝፀንሐትን ሕዚ እውን ከምዝቐፀለን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሓደጋ ካብ ሞንጎ ዝተቓልዑ ዜጋታት 70 ሚኢታዊ ብመንግስቲ ከምዝተሸፈነ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር፥ መንግስቲ ተወሳኺ 1 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ንሓገዝ ዝውዕል ዕድጊት ስርናይ እናተፈፀመ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ርዳእታ ዘላቒ ረብሓ ስለዘየምፅ መንግስቲ ኣብ ምንካይ ስግኣት ሓደጋ ኣድሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኮሚሽነር ምትኩ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.