Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ንኹሉ ዝሓቁፍ ስርዓት ፋይናንስ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ምሕጋዝ ደኣንት ትኹረት ሂባ እናሰርሐት ምዃና ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኢፍ ቢ ሲ)ኣብ ዳቮስ ዝሳለጥ ዘሎ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም “ካብ ውልቀ ሰብ ዝሓለፈ ንኹሉ ዝሓቁፍ  ግደ ፋይናንስ፣ ደቀቕቲ፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት” ብዝብል ርእሲ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ ፎረም ኣብ ዓበይቲ ሃገራት ሓቛፋይነት ፋይናንስ ንምስፍሓፋሕ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ትካላት ዘለዎም ግደ ኣብ ምጥኻር ትኹረት ሂቡ ዘትዩ።

ሃገራት ቀረብን ተበፀሕነትን ፋይናንስ ንምስፍሕፋሕ ኣብ ዝኽእላሉ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታትን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ማሕለኻታትን ንምቕራፍ ዘኽእሉ ሜላታት ኣተገባብራን እውን ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተላዒሎም ኢዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኹሉ ዝሓቁፍ ስርዓት ፋይናንስ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ምሕጋዝ ማእኸለዎትን ኣናእሽተይን ትካላት  ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ፥ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ዶክተር ኢዮብ ተካልኝ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ምድላው መምርሒ ኣሰራርሓ ተንቀሳቐስቲ ወኪላት ባንኪ፣ ስርዓት ዲጂታል ክፍሊት ንምፍጣር ብሄራዊ ስትራቴጂ ምሕንፃፅን ንኹሉ ዘሓቁፍ ስራሕቲ ክለሳ ስትራቴጂ ፋይናንስን እናተሰርሐ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

ነቲ መድረኽ ዘተ ብመደረ ዝኸፈተኦ ንግስቲ ኔዘርላንድን ዋና ፀሓፊት ልምዓት ፋይናንስ ውድብ ሕቡራ መንግስታትን ማክሲማ ብግደአን፥ ሓላፍነት ዝተመልኦን ናብራ ደቂ ሰባት ኣብ ግምት ዘእተወን ግልጋሎት ፋይናንስ ንኹሉ ምብፃሕ ይግባእ ኢለን።

እተን ንግስቲ፥ ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ኣድሂበን ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዳቮስ ምዝትየን ተገሊፁ።

ኣብ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ዳቮስ፥ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ሓዊሱ ልዕሊ 3 ሺሕ ሓለፍቲ ባንኪታት፣ ሰብ ሞያታት ፋይናንስን ሰብ ሃፍቲን እናተሳተፉ ይርከቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.