Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ መበል ሻድሻይ ጉባኤ ፓወሪንግ ኣፍሪካ ተሳቲፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተሳለጠ መበል ሻድሻይ ጉባኤ ፓወሪንግ ኣፍሪካ ተሳቲፋ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብርሃም በላይ ጎድኒ ንጎድኒ እቲ ጉባኤ፥ ምስ ኣመራርሓታት ባንኪ ኤግዚም ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንግዲ ኣሜሪካ፣ ኣመራርሓታት ኮርፖሬሽን ልምዓት ፋይናንስ ኣሜሪካን ካልኦት ትካላት ልምዓትን ተዛቲዮም።

ብተወሳኺ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ዝነብሩ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማህበራዊን ዛዕባታት ብምድሃብ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘለዎ ብርኪን ካብ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ዘድሊ ድጋፍን ብዝምልከት ከምዝተዛተዩ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር።

እቶም ኣባላት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህንፀቱ ተዛዚሙ ግልጋሎት ምሃብ ክሳብ ዝጅምር ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ብምስላፍ ኣድላዪ ሓገዝ ክገብሩ ከምዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.