Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ዘለዋ ፍትሓዊ ተረባሕነት ተረጋግፀሉ ወሳኒ ምዕራፍ ትርከብ – ኣምባሳደር ረታ ዓለሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ዘለዋ ፍትሓዊ ተረባሕነት ተረጋግፀሉ ወሳኒ ምዕራፍ ከምትርከብ በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል ረታ ዓለሙ ተዛሪቦም።

እቶም ኣምባሳደር እዚ ዝበሉ፥ “ሕቶ ምኽባር ፍትሓዊ ብፅሒት ሩባ ኣባይ” ብዝብል ርእሲ ኣብ ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ዝተሳለጠ ዌቢናር ኢዩ።

ኣብ ከባቢ ተፋሰስ ሃገራት ሩባ ኣባይ ሰላም፣ ምርግጋዕን ምዕባለን ከምፅእ ዝኽእል ብሕታዊን ዝሐሸን መገዲ፤ ንኹሉ ተረባሒ ዝገብር ኣካይዳ ምኽታል እንትከኣል ጥራሕ ኢዩ ኢሎም።

ብወገን ኢትዮጵያ ዝግበር ፃዕሪ እውን ምስቲ ጉዳይ ተተሓሓዝቲ ኣብ ዝኾኑ ዓለም ለኸ መምርሒታት ሕጊ ዝተመርኮዘ ፃውዒት ሓቀኛ ምትሕብባር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያን ማእኸላይ ምብራቕን ብዙሓት ፅሑፋት ዝፀሓፉ ውሩይ ሙሁር ታሪኽ ፕሮፌሰር ሃጋይ ኤርሊክ ብግደኦም፥ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ፍትሓዊ ተረባሕነት ሩባ ኣባይ እምነ ኩርናዕ ዝተነበረሉ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ገሊጾም።

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኣስዋን ክሳብ ሩባ ኣባይ ዝብል መፅሓፍ ዘሐተሙ እቶም ሙሁር፥ ኣብ ግብፂ ዝርከብ ግድብ ኣስዋን 15 ሚኢታዊ ዝኸውን ማይ ብሃፋ ዝባኽን ከምዝኾነ ብኣብነት ብምቕራብ እዚ ንምልጥ ብዙሓት ፃዕሪታት ከምዝተገበሩ ኣብሪሆም።

ሩባ ኣባየ ሓበራዊ ሃፍቲ ኩለን ተፋሰስ ሃገራት ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሙሁር፥ ማይ ንምዕቛር ትኽክለኛ ቦታ ድማ ኣብ ህንፀት ዝርከብ ግድብ ህዳሰ ዝርከበሉ ቦታ ኢዩ ኢሎም።

ግብፃያን እዚ ሓዱሽ ሓቂ ክቕበሉን ኣመለኻኽተኦም ከስተኻኽሉ ከምዝግባእን ኣተሓሳሲቦም።

ኢትዮጵያን ግብፂን ብዘይ ምንም ኢድ ኣእታውነትን ብዘይ ሓየልቲ ሃገራት ትእዛዝን ኣፈላላየን ብዘተ ክፈትሓ ይግባእ እውን ኢሎም።

ብስላባት ማናዬ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.