Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ 400 ሺሕ ዝፅጋዕ ክታበት ኮቪድ-19 ከምትረክብ ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ 400 ሺሕ ዝፅጋዕ ክታበት ኮቪድ-19 ከምትረክብ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር፥ ኣብ ኢትዮጵያ እናተውሃበ ዝርከብ ክታበት ኮቪድ-19ን ኣብ ቀፃሊ ዝወሃብ ካልኣይ ዙር መርሃ ግብሪ ክታበትን ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂአን ድማ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዘኽእል ዓቕሚ ምስ ምትግባር ጎድና ጎድኒ ክታበት ንምርካብ እናተገበረ ዝርከብ ፃዕሪ ዘርዚረን።

ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ንመግዝኢ ክታበት ኮቪድ-19 ተወሳኺ ፋይናንስ ብምምዳብ እቲ ክታበት ብዓይነት ይኹን ብመጠን ንምውሳኽ ምስ ዓለም ለኸ ትካላትን ሕረት ኣፍሪካን ተሓባቢሩ እናሰርሐ ከምዝርከብ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ተበፃሕነት እቲ ክታበት ንምስፋሕ ምስ ካልኦት ትካላት እናሰርሐ ከምዝኾነ ዝሓበራ ዶክተር ሊያ፥ ነዙይ መሰረት ብምግባር ድማ ናብ 400 ሺሕ ዝፅጋዕ ተወሳኺ ክታበት ኮቪድ-19 ካብ ዓለም ለኸ ጥምረት ኮቫክስ ክተምፅእ ከምትጅምር ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.