Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ኢንቨስትመንት መዓድን ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ “ዘፈር መዓድን ኣፍሪካ ብመዋእለ ንዋይ ምሕጋዝ” ብዝብል ዝተሰነናደአ መድረኽ ዘተ ትሳተፍ ኣላ።

ንኢትዮጵያ ብምውካል ሚኒስትር ዴኤታ መዓድን ፌዴሪኢ ኣይተ ሚሊየን ማትዮስ ተሳታፊ ከምዝኾኑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ÷ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራ ኣፍሪካ ዝመፅኡ ሚኒስትራት መዓድን ኣጠቓቕማ ሃፍቲ መዓድን ኣፍሪካ ከምኡ እውን ቀፀልቲ ምትሕብባራት ዝምልከት ሰፊሕ መዛተዪ ሓሳብ ኣልዒሎም ከምዝተዛተዩ ተሓቢሩ፡፡

እቶም ሚኒስቴር ዴኤታ ኣብ ፃንሒቶም÷ ኣብ መዓድን ኢትዮጵያ ንምውፋር ድሌት ምስ ዘለዎም ዓለም ለኸ ትካላት ዓውዲ መዓድን ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣፍረይቲ መዓድን ኩባንያታት ከምዝተሳተፉ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.