Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ እናተጎናፀፈቶ ትርከብ ዓወት ውሽጣዊን ደጋዊን ፀላእታ ናይ ሕፍረት ካባ ክጉልበቡ ከምዝገበረ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልላት ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ እናተጎናፀፈቶ ትርከብ ዓወት ውሽጣዊን ደጋዊን ፀላእታ ናይ ሕፍረት ካባ ክጉልበቡ ከምዝገበረ ምክትል ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ገሊፆም።

እቶም ምክትል ርእሳነ ምምሕዳር ኣብ ቀጥታ ፈነወ ፋና ቴሌቪዥን መደብ “ስለ ኢትዮጵያ” ቀሪቦም ልዝብ ኣካይዶም፡፡

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ÷ በቲ ዝተረኸበ ዓወት ሓጎስ ከምዝተሰመዖም ብምግላፅ፤ እቲ ዓወት ብቐሊሉ ዝረአ ከምዘይኮነን ብብዙሕ መስዋእትነት ዝተረኸበ ናይ መላእ ኢትዮጵያውያን፣ ኣፍሪካውያንን ብሓፈሻ ናይ ኩሎም ፀለምቲ ሰባት ዓወተን ከምዝኾነን ገሊፆም፡፡

ከም ክልል ኦሮሚያ ካብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብዘይነኣኣስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ብወያነን ተለኣኣኺኡ ሸኔን እቲ ከባቢ ናይ ዕግርግር ቐጠና ንምግባር ልዑል ፃዕሪ ተገይሩ ኢዩ ዝበሉ ኣየተ ኣወሉ÷ ብወገን መስመር ደራ፣ ጎሃ ፂዮንን ፍቼን፤ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ሸዋ ከባቢን ካልኦት ከባቢታትን ህወሓትን ሸኔን ልዑል ናይ ምህዋኽ ፃዕሪ ዝገበሩ ይኹ እምበር ብዝተዋደደ ስራሕ ህዝቢን ሓይሊ ፀፅታን እቲ ክልል ዝሓሰቡዎ ክዕወተሎም ከምዘይከኣለ ተዛሪቦም፡፡

ሸኔን ህወሓትን ዘይተቐደሰ መርዓ ዝፈፀሙ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዘይኮነ ዝገለፁ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር÷ ካብ 1983 ዓ.ም ጀሚሮም ስራሕቲ ራዕዲ እናፈፀሙ ከምዝፀንሑ ገሊፆም፡፡

ሸኔ ካብ ባህሊን ክብሪን ህዝቢ ኦሮሞ ዝተወፅአ ብፍፁም ተሰሚዖምን ተራኢዮምን ዘይፈልጡ ልዑላት ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት እናፈፀመ ዝርከብን ሰላም እቲ ክልል ንምህዋኽ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

“ይኹን እምበር ህዝቢን ሓይሊ ፀፅታን ብሓባር ብምዃን ነቲ ግብረ ራዕዲ ሕቑኡ እናወወቕዑዎ ስለዝኾ ኣብ ቀረባ እዋን ከብቀዐሉ ኢዩ” ኢሎም ኣይተ ኣወሉ፡፡

“መብዛሕትኡ ህዝብና ካብቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ናፃ ስለዝወፅአን ፀላእትና ቅስሞም ስለዝተሰበረን ሓጎስ ተሰሚዑኒ ኢዩ፤ ሓጎሰይ ሙሉእ ዝኸውን ግን እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ሙሉእ ብሙሉእ እንትድምሰስ ኢዩ” ዝበሉ ድማ ምክልትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ጌቸው ጀምበር ኢዮም።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብወራር ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ሚሊየን ህዝቢ ከምዝተመዛበለ እውን ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ንምምላስን ህዝቢ ናብ ስሩዕ ናብርኡ ንኽምለስን ንምግባር ብርቱዕ ፃዕሪ ዝሓትት ስራሕ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር÷ መንግስቲ እቲ ክልል ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምውዳድ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም፡፡

“እቲ ጉጅለ ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ኣምሓራ ዘብፀሖ ግፍዒን መከራን ብቐሊሉ ብቃላት ዝግለፅ ኣይኮነን” ዝበሉ ዶክተር ጌታቸው÷ እቲ ፀገም ምርዳእ ዝከኣል ኣብቲ ቦታ ተረኺብካ ምርኣይ እንትከኣል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብኣመለወርቅ ደምሰው

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.