Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ካብ ረሳሳሕ ነገራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንፍልፋል ብዝሰርሐቶ ስራሕ ኣብ 2021 ኣብ ውሽጢ ዝርዝር ብቴክኖሎጂ ቀዳሞት ዝኾና ሃገራት ተኻቲታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ረሳሕ ነገራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንፍልፋል ብዝሰርሐቶ ስራሕ ኣብ 2021 ኣብ ውሽጢ ዝርዝር ብቴክኖሎጂ ቀዳሞት ዝኾና ሃገራት ተኻቲታ።

ኣብ ዓውዲ ኢኖቬሽን ምቹው ኩነታት ንምፍጣር እናሰርሐቶ ትርከብ ኢትዮጵያ፥ ረሳሕ ናብ ኤሌክትሪክ ሓይሊ ብምቕያርን ፈጠራ ዝተሓወሶ ልምዓት ፓርክ ከተማን ብዝሰርሐቶም ስራሕቲ ኣብቲ ዝርዝር ንኽትካተት ከምዝገበራ ተገሊፁ።

ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ፥ ኢትዮጵያ፣ ዚምባብዌ፣ ሕቡራት ኢሚረታት ዓረብን ኤልሳልቫዶርን ንፈለማ እዋን ኣብ ዝርዝር 100 ሃገራት ከኣትዋ ዝኸኣላ ሃገራት ኢየን።

ኣብዚ ዓመት ካብ ሞንጎ ዝወፅአ ዝርዝር ኣሜሪካ ብዙሓት ሓደሽቲ ስራሕቲ ብምስራሕ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ፣ ቴክኖሎጂ ሮቦቲክስ፣ ኣብ ትካላት ጥዕናን ገንዘብን ዘሎ ክፍተት ንምምላእ ዝተዘርግሑ ሰብ ስራሕ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ፣ ትካላት ቴክኖሎጂ ፋይናንስ፣ ሓምለዋይ ልምዓት ቀንዲ መለክዒ ከምዝኾኑ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.