Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዘካየደቶ መረፃ ተኣማኒን ሰላማዊን ነይሩ – ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘካየደቶ መረፃ ተኣማኒን ሰላማዊን ከምዝነበረ መራሒ ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካን ነበር ፕሬዚዳንር ናይጄሪያ ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ ገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ካብ ጎስጓስ መረፃ ኣትሒዙ ክሳብ መዓልቲ መረፃ ዘሎ ከይዲ ከምዝተኸታተለ ዝሓበሩ ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ፥ ፀገም ፀፅታ ካብ ዘለዎም ከባቢታት ወፃእ ከይዲ ጎስጓ መረፃ ፍትሓዊ ከምዝነበረ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ መረፃ ሰላማዊ ንኽኸውን ዝገበሮ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ እቶም መራሒ ጉጅለ ተዓዛቢ ገሊፆም፡፡

ኣብ መዓልቲ መረፃ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዘርኣዩዎ ተሳትፎ ፅቡቕ ከምዝነበረን ኢትዮጵያ ተኣማኒን ሰላማዊን መረፃ ከምዘካየደትን ተዛሪቦም።

ኦሊሴንጎ ኦባሳንጆ፥ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ንዕቤት ዴሞክራሲ ትገብሮ ፃዕሪ ሓገዝ ክገብር ከምዝግባእ እውን ፀዊዖም።

እቲ ጉጅለ፥ ከተማን ገፀርን ከባቢታት ሓዊሱ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ከምዝተዓዘበ ምግላፁ ኣዲስ ሚዲያ ኔትወርክ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.