Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዘድሊያ ብዝፍጠሩ ፀገማት እንተይተሰዓረ ናይ ፅባሕ ብሩህ ተስፋኣ ጋህዲ ዝገብር ኣመራርሓ ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘድሊያ ብዝፍጠሩ ፀገማት እንተይተሰዓረ ናይ ፅባሕ ብሩህ ተስፋኣ ጋህዲ ዝገብር ኣመራርሓ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ዝበሉ ኣብ ማእኸል ልህቀት ኣፍሪካ እናተውሃበ ዝፀንሐ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓታት መድረኽ መዛዘሚ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ኢዩ።

“ኣብ ኢትዮጵያ እዋናዊ ፀገማት ይብዝሑ እምበር ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ብብሩህ ተስፋ ዝተመልአ ኢዩ” ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ኣመራርሓ በቢእዋኑ ዘጋጡሙ ፀገማት እንተይተሰዓረ ዝሐሸ ፅባሕ ጋህዲ ንምግባር ክተግህ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ሓላፍነት ዝተውሃቦም ኣመራርሓታት ስረሖም ወፃኢ ብዘዓቁር መልክዑ ከሳልጡ ከምዝግባእ ምትሕስሳቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ንዘሓለፉ መዓልቲታት እናተውሃበ ዝነበረ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣብ ኩለን ክልላት ንዝሽወሙ ኣመራርሓታት ከምዝወሃብ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.