Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዜጋታታ መሊሳ እግሪ ንምትካል ትሰርሕ ኣላ – ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ካብ መረበቶም ብምምዝባል ኣብ ሱዳን ኣብ ስደት ንዝርከቡ ዜጋታት ክልል ትግራይ መሊሱ እግሪ ናይ ምትካል ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ሚኒስትር ህንፀት ማእኸል ዴሞክራሲ ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ ገሊፆም።

ኣይተ ዛዲግ፥ ህውሓት ኣብ ትግራይ ቴሌኮም ሓዊሱ ብዙሓት መሰረተ ልምዓታት ብምዕናው ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ዓለም ንከይራኸብ ከምዝገበረ ኣብሪሆም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መቐለ ምእታዉ ስዒቡ ሰብ ሞያ መስመራት ስልኪ ንምዕራይን ንምስትኽኻልን ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣብሪሆም።

ጉጅለ ህወሓት ኣብቲ ክልል መዕርፎ ነፈርቲ ሓዊሱ መገዲታትን ቢንቶታትን ከምዘፍረሰ እውን ሓቢሮም።

መንግስቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ነቶም መሰረተ ልምዓታት ይሃንፅ ከምዘሎ ግዜኣ ጣቢያ ቴሌቪዥን ድምፂ ኣሜሪካ ብምጥቃስ ፀብፂቡ።

ኣይተ ዛዲግ፥ መንገስቲ ኢትዮጵያ ኩሉ ነገር ብግልፂ ዝፍፅምን መንም ዝሓብኦ ነገር ከምዘይብሉን ተዛሪቦም።

ናብ ሱዳን ዝተሰደቱ ዜጋታት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ሃገሮም ንምምላስን እግሪ ንምትካልን መሰረተ ልምዓታት ይስርሑ ከምዘለዉ እውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.