Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዴሞክራሲ ንምህናፅ ኣብ ዘኽእል ቅኑዕ መገዲ ኢያ ዘላ- ኣምባሳደር ሂሩት ዘመነ

ኣዲስ ኣበባ ፣22 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ፌዴሪኢ ኣብ ቤሊጂየም  ሂሩት ዘመነ፥ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲ ንምህናፅ ኣብ ዘኽእል ቅኑዕ መገዲ ኢያ ዘላ ክብላ ተዛሪበን።

እተን ኣምባሳደር ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ፥ ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እዚ ድማ ሕገ መንግስታዊ ሰርዓትን ልኡላውነትን ሓድነትን ሃገር ናይ ምኽባር ጉዳይ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ሐዚ ብዘሎ ኩነታት ድማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ፌዴራል ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ምስ ሕኽባር ሕጊ ብምዝተዛመደ ኣስታት 40 ሺሕ ዝኾኑ ዜጋታት ናብ ሱዳን ከምዝተመዛበሉ ገሊፀን።

ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ንፁሃን ዜጋታት ንምሕጋዝን ንምሕላውን መንግስቲ መተሓላለፊ ሰብኣዊ ደገፍ ከምዝኸፈተ ብምግላፅ፥ እዚ ተበፃሕነቱ እናሰፍሐ ከምዝኸይድ ኣረዲአን።

እቲ ተልእኾ ደሕሪ ምዝዛሙ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምስ ሱዳን ዘተ ከምዝተገበረ ኣረዲአን።

እተን ኣምባሳደር፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኮቪድ 19፣ ውሑጅን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕስለ ኣምበጣ ሰብኣዊ ፀገም ከምዝነበረ ሓቢረን።

ተመሳሰልቲ ኣጋጣሚታት ነቲ ኩነታት ብዝበለፀ ፈታኒ ንክኸውነ ገይረሙዎ ኢዮም ዝበላ ኣምባሳደር ሂሩት፥ ዓለም ለኻዊ ትካላት ንዝገበርዎ ደገፍን ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀረባ እዋን ንተመዛበልቲ ደገፍ ከምዝገበር ቃል ምእታዉን አመስጊነን።

ቀዳማይ ትኹረት ኢትዮጵያ ትልሚታት ልምዓትን ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ብምዕዋቀት ናብራ ህዝቢ በዝበለፀ ምምሕያሽ ኢዩ ኢለን።

ነዚ ድማ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ከምዝተዳለወ ገሊፀን።

ፍልፍል-ዘ ብራሰልስ ታይምስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.