Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ 300 ሺሕ ሲኖፋርማ ክታበት ኮቪድ 19 ካብ ቻይና ተረኪባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ 300 ሺሕ ሲኖፋርማ ክታበት ኮቪድ 19 ካብ መንግስቲ ቻይና ተረኪባ።

ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣሆ ዢያን፥ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ኣብ ዝተጠቕዓትሉ እዋን ቻይና ሕውነታዊ ደገፋ ዘረጋገፀት ፅንዕቲ ሃገር ኢያ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ተመሳሳሊ ደገፍ ከምዝግበር ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብግደአን፥ ቻይና ሎሚ ካብ ዝገበረቶ ደገፍ ብተወሳኺ ቅድመ ሐዚ እውን ናውቲ መከላኸሊ ኮቪድ 19 ከምዝሃበት ኣዘኻኺሮም።

ሎሚ ዝተገበረ ደገፍ እውን እዛ ሃገር ዝጀመረቶ ከይዲ ክታበት ንምጥንኻር ዝሕግዝ ኢዩ ኢለን።

ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ምልባዕ ንምክልኻል ክታበት ጥራሕ እኹል ስለዘይኮነ ሕብረተሰብ ኣድላዪ ጥንቃቐ ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪበን።

ብይስማው ኣደራው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.