Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ምስ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ምስ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ።

እቲ ስምምዕነት፥ “ስማርት ሲቲ ኣዲስ ኣበባ” ናይ ዝብል ፕሮጀክት ኣካል ዝኾነ መሰረተ ልምዓት ንምህናፅ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ሓላፊ ቢሮ ኢኖቬሽንን ልምዓት ቴክኖሎጂን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ሰለሞን ኣማረን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ኔት ዎርክ ብምዝርጋሕ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ቢሮታትን ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላትን መስ ዋና ማእኸል ዳታ ብቐሊሉ ብምትእስሳር፥ 11 ክፍላተ ከተማ፣ 120 ወረዳታትን ዝተፈላለያ 58 ቢሮታትን ምትእስሳር ዘኽአል ኢዩ።

ብቤተልሄም መኮንን

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.