Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ-ቴሌኮም ሪጅን ሰሜን ህዝቢ ብቐረብኡ ዝግልገለሉ ስራሕቲ እናሰረሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ-ቴሌኮም ሪጅን ሰሜን ህዝቢ ብቐረብኡ ዝግልገለሉ ስራሕቲ እናሰረሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ነዚ ናይ ተገልገልቲ ግዘን ጉልበትን ዝቑጥብ ኣሰራርሓ ዝሕግዝ ተወሳኺማእኸል መሸጣ ኸፊቱ።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቐ ማእኸል መሸጣ ኣብ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ጥቓ ትራፊክ መብራህቲ እዩ።

እዚ ድማ ንዓማዊሉ ፅሬቱ ዝሓለወ ግልጋሎት ቴሌኮም ንምሃብ ካብ ዝስርሑ ዘለው ስራሕቲ እቲ ሓደ ምዃኑ ዋና ዳይሬክተር ኢትዮ-ቴሌኮም ሪጅን ሰሜን ኣይተ ዘሚካኤል ኣምባየ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ዝተኸፈተ ጨንፈር ድማ ናብቲ ከባቢ ዝቐርቦም ተገልገልቲ መሸጣ ወርሓዊ ፓኬጃት፣ ዝተፈላለዩ ቆፎታት፣ ኹሉ ዓይነት ሞባይል ካርድ፣ ምትካእ ሲም ካርድ፣ መሸጣ ኢንተርኔትን ካልኦትን ግልጋሎት ዝህብ እዩ ኢሎም።

ኢትዮ ቴሌኮም ከምዚኦም ስራሕቲ እንትሰርሕ ሕብረተሰብ እውን ንብረታት ኢትዮ ቴሌኮም ከም ሃፍቱን መሳለጥቲ መነባብርኡን ሪኡ ኣድላይ ሓለዋን ክንክንን ክገብረሎም ድማ ተላብዮም።

ብሳሙኤል ገብረታትዮስ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.