Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ቁፅሪ ዓማዊሉ ካብ 60 ሚሊየን ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ቁፅሪ ዓማዊሉ ካብ 60 ሚሊየን ምሕላፉ ዋና ፈፃሚት ስራሕ እቲ ኩባኒያ ፍሬህይወት ታምሩ ኣፍሊጠን።

ኢትዮ ቴሌኮም ኣፈፃፅማ መንፈቕ ዓመት ብሚኒስቴር ገንዘብን ብምምሕዳርን ትሕዝቶን ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣብ ዝተገምገመሉ እዋን፤ እቲ ኩባኒያ ሓፈሻዊ ቁፅሪ ዓማዊል 68 ነጥቢ 8 ሚሊየን ከምዝበፅሐ ገሊፁ፡፡

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ፥ እቲ ኩባኒያ ኣብዚ መንፈቕ ዓመት 28 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተዛሪበን፡፡

74 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ኣታዊ ከመዝተረኸበን ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ኣብ ስራሕ ዘውዐሎ ኣገልግሎት ቴሌ ብር 13 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዓማዊል ብምፍራይ በቲ መተግበሪ 16 ነጥቢ ሚሊየን ክፍሊታት ከምዝተገበረን ከምኡ እውን 5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ልውውጣት ከምዝተገበሩ ኣብሪሀን፡፡

እቲ ትካል ካብ ትልሚ መንፈቕ ዓመት 86 ሚኢታዊ ከምዘዕወተ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ፀገም ፀፅታ፣ ጉድኣት መሰረተ ልምዓትን ንብረትን፣ ኣብ ክልላት ግቡእ ዘይኮነ ሕቶ ካሕሳን ምዕፃው ሒሳብ ባንኪን ቀንዲ ማሕለኻታት ስራሕ ከምዝነበሩ ተመልኪቱ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.