Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ናይ 3 ዓመት ዕቤትን ስትራቴጂክን ትልሙ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ናይ 3 ዓመት ዕቤትን ስትራቴጂክን ትልሙ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ገይሩ።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ÷ እቲ ሓዱሽ ስትራቴጂክ ትልሚ ፖሊሲ መንግስቲ ማእኸል ብዝገበረ መልክዑ ኩለመዳይ ኩነታ ሃገርን ዓለም ለኸን ኣብ ግምት ብምእታው ዝተሓንፀፀ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዘፈተራት ከተማ፣ ሕርሻ፣ ትምህርቲን ጥዕናን ካብ ስሩዕ ኣገልግሎት ሓሊፉ ሰፊሕ ስራሕ ንምስራሕ ከምዝተሓሰበ ገሊፀን።

ሓደሽቲ ኣማራፂታት ሒዙ ክቐርብ ኢዩ ዝተብሃለሉ እቲ ስትራቴጂክ ትልሚ÷ ካብ 2015 ክሳብ 2017 ዓ.ም ከምዝፀንሕ ተሓቢሩ፡፡

እዋን ኣገልግሎቱ ዝዛዘመ ትልሚ ሰለስተ ዓመት ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ብምጥቃምን ተበፃሒ ብምግባርን ናይ ቁፅሪ ተገልገልቲ ዓማዊል ክብ ከብል ከምዝኸኣለ ተገሊፁ።

ብመንፅ ኣታዊ እውን ኣብ ዝተዛዘመ ትልሚ እንትጅመር ካብ ዝነበሮ 37 ቢሊየን ብር ናብ 61 ቢሊየን ብር ክዓቢ ከምዝኸኣለ ተመልኪቱ፡፡

ብወንድሙ ኣዱኛ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.