Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ልዕሊ 47 ቢሊየን ብር እቶት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ልዕሊ 47 ቢሊየን ብር እቶት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ እቲ ኩባኒያ ፍሬህይወት ታምሩ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ ከምዝበልኡ፥ እቲ ዝተረኸበ እቶት ኣብ’ዚ ዓመት ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ ብ105 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ብልጫ ኣለዎ።

ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር እውን ብ31 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ንወፃኢ ዓዲ ካብ ዝድወል ስልኪ 147 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ሓቢረን።

10 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ልቓሕ ምምላስ ከምዝተኽኣለ እውን ገሊፀን።

ቁፅሪ ዓማዊል ኢትዮ-ቴሌኮም 46 ነጥቢ 2 ሚሊየን ከምዝበፅሐ ድማ እተን ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኣፍሊጠን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.