Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 25 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 25 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍሬሕይወት ታምሩ ሎሚ መዓልቲ ኣብዝሃብኡ መግለፂ፥ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት 25 ነጥቢ 57 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከመዝተረኸበ ኢየን ተዛሪበን።

እቲ ኣታዊ ካብ ዝነበረ ትልሚ እቲ 95 ሚኢታዊ ከምዘዐወተ ኣፍሊጠን።

ኣብቲ ዝተሓበረ ኣዋርሕ፥ ርካቦት ሸርፊ ወፃኢ 80 ነጥብ 2 ሚሊየን ዶላር ከምዝኾነ ሓቢረን።

ኣብ ኢትጵያ ካብ ዘለዉ ተጠቀምቲ ሞባይል ስልኪ እቶም 64 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ተጠቀምቲ ኢንተርኔት ከምዝኾኑ ገሊፀን።

በዝሒ ሓፈሻዊ ዓማዊል ኢትዮ ቴሌኮም 50 ነጥቢ 7 ሚሊየን ከምዝበፅሐ እውን ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.