Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ግልጋሎት ብሮድባንድ ኢንተርኔት ቅነሳ ዋጋ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ግልጋሎት ብሮድባንድ ኢንተርኔት ምምሕያሻትን ቅነሳ ዋጋን ምግባሩ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ንውልቀ ተጠቀምቲ ክሳብ 65 ሚኢታዊ፣ ንግልጋሎት VPN ክሳብ 72 ሚኢታዊ ከምኡ እውን ንኢንተርፕራይዛት ክሳብ 69 ሚኢታዊ ዝበፅሕ ቅነሳ ምግባሩ ገሊፁ።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍሬህይወት ታምሩ፥ እቲ ዝተገበረ ምምሕያሽ ኣብ ፅሬት ኣወሃህባ ግልጋሎት ትካላት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ፋይናንስን ካልኦት ትካላት ንግዲን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ገሊፀን።

ብፍላይ ኣብ ተበፃሕነትን ግልፅነትን ግልጋሎት መንግስቲ ናይ ባዕሉ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ኣብሪሀን።

126 ዓመት ዘቑፀረ ኢትዮ ቴሌኮም፥ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ሰለስተ ዓመት ስትራቴጂክ ትልሚ ምውፅኡ ይዝከር።

እቲ ምምሕያሽ ድሌት ዓማዊሉ ንምዕጋብን ንዓማውቲ ብዓማዊል እናተለዓሉ ንዝነበሩ ሕቶታት ምላሽ ንመሃብን ተሓሲቡ ዝተገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ብምስክር ስናፍቅ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.