Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም ኣገልግሎት ኣድቫንስድ 4ጂ ኤል.ቲ.ኢ ኣብ ሪጅን ደቡብ ምዕራብ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣገልግሎት ኣድቫንስድ 4ጂ ኤል.ቲ.ኢ ኣብ ሪጅን ደቡብ ምዕራብ ኣጀሚሩ።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሮ ፍሬህይወት ታምሩ ናብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኸኦ ሓበሬታ፥ በቲ ኣገልግሎት ከተማታት ጅማ፣ ኣጋሮ፣ በደሌ፣ ቦንጋ፣ ኮይሻ፣ መቱ፣ ሚዛንን ቴፒን ተረባሕቲ ክኾና ኢየን፡፡

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ሪጅን ደቡብ ምዕራብ ዝወሃብ ዘበናዊ ኣገልግሎት ኤል.ኢ.ቲ ኣብ ከተማ ጅማ መርሃ ግብሪ ምረቓ እናካየደ ይርከብ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ዝተረኸባ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ብዛዕባ ቴሌብር ኣመልኪተን ንተሳተፍቲ ገለፃ ዝገበራ እንትኾና፥ ሕብረተሰብ ቴሌብር ብምጥቃም ዕለታዊ ምንቅስቓሱ ንኸቃልል ፀዊዐን፡፡

ብሙክታር ጠሃ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.