Fana: At a Speed of Life!

ኢንስቲቲዩት ቴክስታይልን ፋሽን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ISO/IEC 17025 ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብራቶሪ ፍተሻ ዩንቨርስቲ ባህርዳር ኢንስቲቲዩት ቴክስታይልን ፋሽን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ISO/IEC 17025 ረኺቡ።

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መበል ዓስራይ ዓለም ለኸ መፅናዕቲ ዝተረኸቡ ተወካሊ ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት አቶ ንጉሱ ክብሩ፥ እቲ ኣፍልጦ ብፍተሻታት ፊዚካልናን ኬሚካልን ከምዝተረኸበ ምርግጋፁ ተዛሪቦም።

እቲ ዩንቨርስቲ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ ኣብ ዓውዲ ጨርቀ መርቂ ዝተዋፈሩ ኢንዱስትሪታት ንዘፍሪዩዎም ፍሪያታት ፅርየቶም ሓሊዮም ንክፈሪዩ ተኣማኒነትን ተቐባልነትን ዘለዎ ፍተሻ ላቦራቶሪ ውፅኢት ብምሃብ ልዑል ሓገዝ ይገበር ኢዩ ምባሎም ካብቲ ኢንስቲትዩት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.