Fana: At a Speed of Life!

ኢንዱስትሪ ዓለባ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ዝውዕል 6 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ዕላዊ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሪታኒያን ጀርመንን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኢንዱስትሪ ዓለባ ንምሕጋዝ ዝውዕል 6 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ዕላዊ ዕላዊ ገይረን።

ክልቲአን ሃገራት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዝገበረኦ ሓገዝ፥ ኢንዱስትሪ ዓለባ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰባት ኣብ ስረሖም ንኽቕፅሉን ኢኮኖሚ ኢትጵያ ካብ ፅዕንቶ ቫይረስኮሮና ንኸንሳዕርርን ዝግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ድማ ትካላት ኢንዱስትሪ ዓለባ ምምሕያሽ መሃያ ንኽገብሩን ቫይረስኮሮና ዘሕድሮ ፅዕንቶ ንዝተፃወሩ ትካላት ንግዲን ሽልማት ከምዝብርከተሎም ተሓቢሩ።

እቲ ሓገዝ ትማሊ ዕላዊ ዝኾነ እንትኸውን፥ ኣብ ዝቕፅ ኣዋርሕ እውን ተወሳኺ ሓገዝ ንምግባር ምንቅስቓስ ከምዝግበር ቮይስ ኦንላይን ፀብፂቡ።

ኢንዱስትሪ ዓለባ ካብ ዘፈራት መፍረይቲ ቀዳማይ ፈጣሪ ዕድል ስራሕ ምዃኑ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ፌዴራል ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ኣፍሊጦም።

ይኹን እምበር ምስ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ብብርኪ ዓለም ለኸን ውሽጢ ሃገርን ምንካይ ድሌት ምስትውዓሉ እቲ ዓውዲ ብልዑል ኩነታት ክጉዳእ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ 1 ነጥቢ 4 ክሳብ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዕድል ስራሕ ክፍጠር ከምዝኽእል እቲ ኮሚሽን ግምት ኣቐሚጡ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.