Fana: At a Speed of Life!

ኢንጂነር ታከለ ኡማ ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር መዓድንን ነዳዲን ኢንጂነር ታከለ ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዑስማን ዲዮን ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዘፈር መዓድን እናተሳለጠ ምስ ዝርከብ ሪፎርም ፖሊሲን ሕጊን ዝተተሓሓዘ መብርሂ ገይሮም፡፡

ኢንቨስትመንት ዘፈር መዓድን ከዓቢ ንምግባር እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ኣመልኪቶም እውን ምስቶም ዳይሬክተር ተዛቲዮም፡፡

ባንኪ ዓለም ኣብ ዘፈር መዓድንን ነዳዲን እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ሓገዝ ከምዝገብር እውን እቶም ሓላፊ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ምድላው ማዕቐፍ ሕጊ ዘፈር መዓድን ሓገዝ ሞያዊ ህንፀት ዓቕሚን ኢንቨስትመንትን ከምዝገብሩ ኣረጋጊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣለሻ ክዙን ሃፍቲ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ዲጂታላይዜሽን ሓቢርካ ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ሚኒስትር ታከለ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሒፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.