Fana: At a Speed of Life!

ኢጋድ 2ይ ዓለም ለኸ ሳይንሳዊ ጉባኤኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)2ይ ዓለም ለኸ ሳይንሳዊ ጉባኤኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ።

“ምንቅስቓስ ሰባት ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ዝርከብ እቲ ዓለም ለኻዊ ሳይንሳዊ ጉባኤ፥ ኣብ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ዘድሃበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ከምዝገለፁዎ፥ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብቲ ዞባ ልዑል ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፅዕንቶ ኣሕዲሩ ኢዩ።

ብፍላይ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ንዝኸፍአ ጉድኣት ከምዝተቓልዑ ኣብሪሆም።

እቲ ለበዳ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝተነበረ ገደብ ምንቅስቓስ ተቓላዕነት እቶም ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ወሲኹዎ ከምዝነበረ እውን ገሊፆም።

እቲ ትካልን ኣባል ሃገራት ኢጋድን ፅዕንቶ ኮቪድ ንምንካይ ስርዓት ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ዝገለፁ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ ምርመራ ብምግባር ሓገዝ ኢኮኖሚ ብምግባርን ፅዕንቶ እቲ ለበዳ ንምንካይ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ብዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ሳይንሳዊ ጉባኤ ኢጋድ ንሰለስተ መዓልቲታት ዝፀንሕ እንትኸውን፥ 28 መፅናዕታዊ ፅሑፋት ክቐርቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.