Fana: At a Speed of Life!

ኣመላልኣ ማይ ግድብ ህዳሰ ተፈጥሮኣዊ ከይዲ ህንፀት ብዝሓለወ መልክዑ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመላልኣ ማይ ግድብ ህዳሰ ተፈጥሮኣዊ ከይዲ ህንፀት ብዝሓለወ መልክዑ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዝተሳተፉሉ ኣብ ክሊ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘድሃበ ዘተ ከምዝተሳለጠ እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣብሆም።

ኣብቲ ዝተሳለጠ ዘተ ኣብ ዝተወሰኑ ነጥቢታት ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ እውን እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም።

ካብዚ ሓሊፉ ግን ኣብ ሓደ ሓደ ጉዳያት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ዘላቒ ረብሓ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ዝህልዎም ነጥቢታት ጥበንቃቐ ምግባር ስለዘድሊ ኣፈላላያት ከምዝነበሩ ኣገንዚቦም።

ኣመላልኣ ማይ እቲ ግድብ ተፈጥሮኣዊ ከይዲ ህንፀት ብዝሓለወ መልክዑ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ፥ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግድቡ ብዝምልከት ብሳትላይት ዝረኣዩ ምስሊታት ትኽክለኛታት ምዃኖም ገሊፆም።

ኣብቲ ዝተሳለጠ ዘተ ካብ ኬንያ፣ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ማሊ፣ ማዳጋስካርን ደቡብ ኣፍሪካን ዝተውፃእፅኡ 11 ሰብ ሞያታት ከምዝተሳተፉ ተሓቢሩ።

ብለይኩን ኣለም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.