Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዞባ ኢንዱስትሪ ኢስተርን ዱከም ዑደት የካይዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዞባ ኢንዱስትሪ ኢስተርን ከተማ ዱከም ዑደት የካይዱ ኣለዉ።

ኣብ ዑደቶም ድማ ስራሕቲ ምንቅስቓስ ናይቲ ዞባ ኢንዱስትሪ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ካብ 16 ጥሪ ጀሚሮም ኣብ ከተማ ኣዳማ ስልጠና እናውዱ እንትኾኑ፥ እቲ ስልጠና ከክሳብ 2 ለካቲት 2012 ዓ.ም ከምዝፀንሕ ተሓቢሩ።

ፓርቲ ብልፅግና ካብ ውድብ ኢህወዴግ ናብ ሃገራዉ ውሁድ ፓርቲ ድሕሪ ምስግጋሩ፥ ኣብ እንታይነትን ኣተሓሳስባን እቲ ፓርቲ ኣድሂቡ በቢብርኩ ንዝርከቡ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ዝወሃብ ስልጠና ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝተጀመረ ሃገራዊ ለውጢን ምስቲ ለውጢ ተተሓሒዞም ዝተወሰዱ ስጉምቲታት፣ ዝተረኸቡ ዓወታትን ቀፃሊ ስግኣታትን ብዝምልከት ኣመራርሓታት እቲ ፓርቲ ናይ ተግባር ሓድነት ክህልዎም ንምግባር ዓሊሙ ዝተሰናድአ ምዃኑ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.