Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ኣብያተ ፅሕፈት ዝተፈላለያ ክልላት ስልጠና ይወሃቦም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ኣብያተ ፅሕፈት ዝተፈላለያ ክልላት ስልጠና ይወሃቦም ኣሎ።

እቲ ስልጠና ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ሶማሌ፣ ደቡብ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ጋምቤላን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ንዝርከቡ ኣመራርሓታት እቲ ፓርቲ ኢዩ ዝወሃብ ዘሎ።

ኣብ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ክልል ደቡብ “እዋናዊ ኩነታትን ትልሚታት መሰጋገሪን” ኣብ ዝብል ሰነድ ኣድሂቡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ርስቱ ይርዳውን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅና ደቡብ ኣይተ ጥላሁን ከበደን ሃገራዊ ለውጢ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ንምንባር ዓሊሙ ዝወሃብ ስልጠና ኣመራርሓታት ኣጀሚሮምዎ።

እቲ ኣብ ዘተፈላለያ ክልላት ዝወሃብ ስልጠና ኣመራርሓታት፥ ሃገራዊ፣ ከባቢያዊን ዓለም ለኻዊን ኩነታት ተገንዚቡ ልኡኽቶ ፓርቲ ብልፅግና ብብቕዓት ንምዕዋትን እቲ ኣመራርሓ ንቐፃሊ ልኡኽቶ ድሉው ንምግባርን ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝኸውን ተገሊፁ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እናጋጠሙ ዝርከቡ ፈተናታት ብጥንኩር ኣተሓሳስባን ናይ ተግባር ሓድነትን ኣብ ምምካት ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ እውን ተሓቢሩ።

ሰልጠንቲ ካብቲ ስልጠና ዝረኽቡዎ ፖለቲካዊን ኣመራርዊን ገንዛበ ተጠቒሞም ኣብ ቀፃሊ ከጋጥሙዎም ንዝኽእሉ ዝኾኑይኹኑ ማሕለኻታት ብቑዕ ኣመራርሓ ብምሃብ ብዓወት ንምስጋር ዘኽእሎም ዓቕሚ ክፈጥሩ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.