Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት 9 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት 9 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ገይሮም።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ዝተረኸቡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው፥ እቲ ትካል ናይ ህዝቢ ሚዲያ ምዃኑ ንምርግጋፅ ልምዓት ኣብ ምሕጋዝን ድሌት ህዝቢ ኣብ ምሕላውን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።
ፋና ብሓበሬታ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብስራሕቲ ሰላም ድሕንነትን፤ ሓዘንን ደስታን ህዝቢ እናሰርሐ ምፅንሑ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ተዛሪቦም፡፡
ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ፋና እውን ኣብ ጎኒ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ብምዃን ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ከምዘወፈዩ ገሊፆም።
እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ሓላፊ መምርሒ ፋይናንስ ሰራዊት ምክልኻል ብርጋዴር ጀኔራል ዓለምሰገድ ወንድወሰን ብግደኦም፥ ፋና ኣብ ውዕሎታት ሰራዊት ምክልኻል እናወዓለ ቃልሱ እናፀብፀበ ዝርከብ ጅግና ሚዲያ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ፀላኢ ዘጋውሖ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ብምምካት እውን ሙያዊ ሓገዝ ገይሩ ኢዩ ኢሎም።
ብኣፈወርቅ እያዩ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.