Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓ ማልት ጨንፈር ጀርመን ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓ ማሕበር ልምዓት ትግራይ(ማልት) ጨንፈር ጀርመን፣ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ኢትዮ-ዊተን፣ ተምሃሮ  ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሆልዝካምፕ፣ ቤት ፅሕፈት ማልት፣ ማልት ጨንፈር ጀርመንን ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ራያ ዓዘቦን ብምትሕብባር ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቅለ ኢትዮ-ዊተንን ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ኣብ ዝተገበረሉ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጨቖትን ዑደት ኣካይዶም።

እቲ ኣብያተ ትምህርቲ፥ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብር 851 ሺሐን 800 ፣ ካብ ኢትዮ-ዊተን ብር 1 ሚሊየንን 448 ሺሕን 100 ፣ ካብ ማልት ጨንፈር ጀርመን ብር 160 ሺሕን 900 ከምኡ‘ውን ብር 1 ሚሊየን ካብ ህዝብን ምምሕዳርን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ብዝተውፃእፀአ ብድምር ብ3 ነጥቢ 4 ሚልዮን ብር ወፃኢ ይህነፅ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመንን ኢትዮ-ዊተንን ሓገዝ ኮምፒዩተራት ኣብ ዝተገበረሉ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጨቖንን ዑደት ዘካየዱ ኣካላት፥ በቲ ስራሕቲ ሕጉሳት ከምዝኾኑን ቐፃሊ ደገፎም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን ገሊፆም።

ኣብቲ ዕለት ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር፥  ማሕበር ልምዓት ትግራይ መንግስቲ ክበፅሖም ኣብ ዘይኽኣሉ ክፍተታት መሰረተ ልምዓት ትምህርት፣ ጥዕና፣ ምድሓን ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ምዕባለ ባህልን ቋንቋን፣ ምዕባይ ዓቕሚ መናእሰይ ልዑል ጠመተ ብምሃብ ክትሰርሕ ዝፀንሐት ከምዝኾነት ኣረዲኦም።

ኣብዚ እዋን ድማ ብፍሉይ ኣብ ዘፈር ትምህርትን ጥዕናን ትነጥፍ ምህላዋን ህንፀቱ ኣብ ምዝዛም ዘሎን ዑደት ዝተኻየደሉን ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቅለ ኢትዮ-ዊተን ድማ ካብ ንጥፈታት እታ ትካል ሓደ ምዃኑን ሓቢሮም።
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝርከቡ ፈተውቲ ዓዶም ተጋሩ፣ ኢትዮ- ዊተንን ኣብ ሰናይ ተግባር ማልት ደጊፎም ዝዓሰሉ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ንህንፀት ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንዝገበሩዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሽም ዓምለኸ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይን ተጠቀምትን  ኣይተ ተስፋይ፥ ካልኦት ማሕበራት እውን ኣሰር እቲ ሰናይ ተግባር ክስዕቡ ፀዊዖም።

ፍልፍል፦Tigrai Development Association

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.