Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ከተማ ሽረ ኣብ ጉጅለ ህወሓት ዝነበረ ኣሰራርሓ ዝምድና ድሕሪ ሕዚ ከምዘይቕፅል ኣረጋጊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.)ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ከተማ ሽረ ኣብ ጉጅለ ህወሓት ዝነበረ ኣሰራርሓ ዝምድና ድሕር ሕዚ ከምዘይቕፅል ኣረጋጊፆም።

ብጉጅለ ህወሓት ዝነበረ ኔትዎርክ ዝምድና ኣሰራርሓ ካብ ድሕር ሕዚ ከይቕፅል ብምግባር ህዝቢ ብቕንዕና ንምግልጋል ምድላዎም ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ሽረ ገሊፁ።

እቶም ኣመራርሓ ጁንታ ህወሓት ኣድልዎ ዘለዎ ኣመራርሓ ተማሪሩ ዝነበረ ነባሪ እቲ ከተማ ብቕንዕናን ተኣማንነትን ንምግልጋል ከምተዳለው ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ሽረ ግዚያዊ ምምሕዳር ከንቲባ ብምኳን ዝተመረፁ መምህር ሓጎስ በርሀ ህዝባዊ ሓላፍነት ብኣግባቡ ንምውፃእ ምድላዎ ገሊፆም።

ግዚያዊ ምምሕዳር ምክትል ከንቲባ ኮይነን ዝተመረፁ ኢንጅነር ጀሚል መሓመድ ብግድኦም ሓላፍነተን ብብቕዓት ከምዝዋፅኡ ምድላዋት ከምዝገበሩን ኣረጋጊፆም።

ኣፍቲ ከተማ ዓቕሚ ህንፀት ቤት ፅሕፈት ሓላፊ ኮይኖም ዝተመረፁ መምህርት ንግስቲ ፋንታሁን ብቕንዕናን እምነትን ንምግልጋል ምድላወን ኣረጋጊፀን።

ህዝቢ ኣብ ጎኖም ኮይኑ ከምዝሕግዞም ኣፍቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ ኣረጋጊፆም።

ዋና ስራሕ ፈፃሚ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
ዶ/ር ሙሉ ነጋ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ እናኸዱ ህዝቢ የዛትዮ ኣለው።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.