Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ክልል ደቡብ ኣብ እዋናዊ ክልላዊን ሃገራዊን ጉዳያት ብምድሃብ ዘተ የሳልጡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ክልል ደቡብ ኣብ እዋናዊ ክልላዊን ሃገራዊን ጉዳያት ብምድሃብ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዘተ የሳልጡ ኣለዉ።

ሓላፊ ዓውዲ ፖለቲካን ርእዮተ ኣለምን ፓርቲ ብልፅግና ክልል ደቡብ ኣይተ ኣክሊሉ ታደሰ ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብቲ ክልል በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ኣብ ክልላዊን ሃገራዊን ዛዕባታት ናይ ሓባር ቅዋም ብምሓዝ ዝተጀመረ ለውጢ ከቐፅል ይግባእ ኢሎም።

እቲ ኣመራርሓ ናይ ሓሳብን ተግባርን ሓድነቱ ብምጥንኻር ንዝሓሸ ለውጢ ምስራሕ ከምዝግብኦ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ብዙሓት ምዕራፋት ለውጢ ምምፃእ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፥ ይኹን እንበር እቲ ለውጢ ምኽኒያት ብምግባር ሃገር ናይ ምፍራስ ተልእኾ ዝሓዙ ሓይሊታት ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣፈላላይ ብምፍጣር ናይ ባዕሎም ድልየት ንምፍፃም ፃዕሪ ምግባሮም ሓቢሮም።

ጥንካረና ብምቕፃል ሸቶ ስርዓትና ስኾነ ብልፅግና ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ክንሰርሕ ኣለና እውን ኢሎም ኣይተ ኣክሊሉ።

እቲ መድረኽ ዘተ ንክልተ መዓልታት ክፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.