Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ሰሜን ኮሪያ ሚሳኤል ቅድሚ ምውንጫፋ ቅድመ መጠንቀቕታ ዝህብ ስርዓት ክትዝርግሕ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሰሜን ኮሪያ ሚሳኤላት ቅድሚ ምውንጫፎም ቅድመ መጠንቀቕታ ክህብ ዝኽእል ስርዓት ክትዝርግሕ ምዃና ኣሜሪካ ኣፍሊጣ።

ትማሊ መቐመጢኡ ኣብ ዋሸንግተን ዝገበረ ሚቼል ዝተብሃለ ትካል ምርምር ኣየርን ጠፈርን ኣሜሪካ÷ ኣብቲ ዓውዲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘተ ብመርበብ ሓበሬታ ኣካይዱ፡፡

ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ÷ ሓዱሽ ዝተጣየሸ ሓላፊ ሓይሊ እዚ ጠፈር ኣሜሪካ ጀነራል ጀምስ ዲኪንሰን ተሳቲፎም፡፡

ጀነራል ጀምስ ዲኪንሰን ኣብ ዞባ ህንዲ-ፓስፊክን ካብ ሰሜን ኮሪያን ዝኾነ ይኹን ሚሳኤል ምውንጫፍ ሚሳኤል እንተተሃቂኑ ኣሽቲቱ ቅድመ መጠንቀቕታ ክህብ ዝኽእል ስርዓት ኣሰራርሓ ከምዝጀመሩ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.