Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ብኣድልዎ ካብ ዝሓዘቶ ድርድር ግድብ ህዳሰ ወፂኣ ንሓቀኛ ድርድር ሓገዝ ክትገብር ነበር ሰብ መዚ እታ ሀገር ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣሜሪካ ብኣድልዎ ካብ ዝሓዘቶ ድርድር ግድብ ህዳሰ ወፂኣ ንሓቀኛ ድርድር ሓገዝ ክትገብር ነበር ሰብ መዚ እታ ሀገር ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ሰበስልጣናት ከምዝገለፁዎ፥ ሃገሮም ኣሜሪካ ኣብቲ ጉዳይ ዘይሻራዊ ክትከውንን ግልፂን ፍትሓዊን ከይዲ ሽምግልና ክትክተል ከምዝግበኣ ኢዮም ፀዊዖም ዘለዉ።

ኣምባሳደር ሱዛን ራይስ፣ ኣምባሳደር ጀንዳይ ፍሬዘርን ኣምባሳደር ሄርማን ኮሆንን ሓዊሱ ሸውዓተ ሰባት ነበር ሰብ መዚ ኣሜሪካ ናብ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዝፀሓፉዎ ደብዳቤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተኻየዱ ዝርከቡ ድርድራት ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝበፅሑ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ዋሸንግተን ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ዘይሻራዊ ብዝኾነ መልክዑ ክትንቀሳቐስ ይግባእ ኢሎም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሃገሮም ግልፂን ፍትሓዊን ከይዲ ሽምግልና ዝተኸተለ ኣካይዳ ክህልዋ ከምዝግባእ ሓቲቶም።

እቶም ኣምባሳደራት ኣሜሪካ ፈሊጣ ይኹን ብስሕተት ምስ ህንፀት እቲ ግድብ ተተሓሒዙ ንግብፂ ምውጋና ኣብቲ ጉዳይ ንኽብፃሕ ዝሕሰብ ስምምዕነት ኣብ ብትገብሮ ፃዕሪ ዝህልዋ ግደ ከምዝድርቶ እውን ኣገንዚቦም።

ብተወሳኺ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምግባር ይኹን ዝግበሩ ሓገዛት ምግዳብ እቲ ድርድር ኣፀጋሚ ካብ ምግባሩ ንላዕሊ ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ ዝግበር ፃዕሪ ኣፀጋሚ ከምዝገብሮ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብደላ ሓምዶክ ኢትዮጵያን ግብፂን ንኸደራድሩ ብዝፀሓፉዎ ደብዳቤ ዝሓተቱ እቶም ነበር ሰብ መዚ፥ ኣሜሪካ ካብ ከይዲ እቲ ድርድር ገለል ንኽትብል፣ ኣደራደርቲ ባዕልቶም መፍትሒ ንኽእልሹ ክትገብርን ቀዳማይ ሚኒስትር ሃምዶክ ዕላዊ ሓገዝ ንኽትገብርን ኣተሓሳሲቦም።

ሱዳን ምስ ኢትዮጵያን ግብፂን ዘለዋ ርክብ ሚዛን ሓሊያ ንምኻድ ትገብሮ ፃዕሪ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምትርከብ ዝሓበሩ እቶም ሰብ መዚ፥ ይኹን እምበር ንኹለን ሃገራት ዝረብሕ መፍትሒ ንምእላሽ ኣብ ዝሐሸ ቦታ ከምትርከብ ኣመልኪቶም።

ኣሜሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ዘይስምዕማዕ ንምፍታሕ ካብ ሃገራት ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ወፃእ ዝኾነት ዘይሻራዊት ሃገር ንኽትሳተፍ ክተበረታትዕ ይግባእ ኢሎም።

ኣብቲ ከባቢ ሰላምን ምርግጋእን ንኸዓስል ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝግበር ከይዲ ዘይሻራዊ ንኽትከውንን ሓቀኛ ድርድር ንኽካየድ ሓገዝ ክትገብር ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.