Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ኣጋዊሖም ዝበለቶም መርበብ ሓበሬታታት ኢራን ኣጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢሲ)ኣሜሪካ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ኣጋዊሖም ዝበለቶም መርበብ ሓበሬታታት ኢራን ካብ ኢንተርኔት ከምዝኣገደት ተገሊፁ።

ቢሮ ፍትሒ ኣሜሪካ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ዋንነቶም ናይ መንግስቲ ኢራን ዝኾኑ 33 መርበብ ሓበሬታታትን ንዓመፅቲ ሃውቲ ዝድግፉ 3 ገፃት ካብ መርበብ ሓበሬታ ከምዘውረደ ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተኣገዱ መርበብ ሓበሬታታት ሓደ ድማ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ሓበሬታ እናፈነወ ዝነበረን ብመንግስቲ ኢራን ዝውነንን ፕሬስ ቲቪ ኢዩ፡፡

ብመንግስቲ ኢራን እናተሓገዘ ንጉጅለ ሃውቲ ዝድግፍ ቲቪ ኣል ማሲራህ እውን ብመንግስቲ ኣሜሪካ ካብ ኢንተርኔት ክወርድ ተገይሩ፡፡

እቶም ዝተኣገዱ መርበብ ሓበሬታታት ብኻሊእ ገፅ ናብ ኢንተርኔት ተመሊሶም ፈነወ ከምዝጀመሩ ንተኸተልቶም ምፍላጥ ጀሚሮም ኣለዉ፡፡

ፍልፍል፥ ኣልጀዚራ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.