Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳኤል ንዩክሬን እንተሂባ ሩሲያ ንባዕላ ንምክልኻል ዝኾነ ይኹን ኣማራፂ ከምትጥቀም ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳኤል ንዩክሬን እንተሂባ ሩሲያ ንባዕላ ንምክልኻል ዝኾነ ይኹን ኣማራፂ ከምትጥቀም ኣጠንቂቓ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ማርያ ዛካሪቫስ ከምዝገለፁዎ÷ ኣሜሪካ ዓለም ለኸ ብምጥሓስ ንዩክሬን ሰፊሕ መጠን ዘለዎ ኣፅዋር ብምቕራብ ገበን ኲናት እናፈፀመት ትርከብ፡፡

“ዋሸንግተን በዚ ተግባራ ቀፂላ ንኪዬቭ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳኤል ተቕርብ እንተኾይና ድማ ቀይሕ መስመር ከምዝሓለፈትን ኣብቲ ጎንፂ ብቐጥታ ከምዝተሳተፈትን ክንቆፅሮ ኢና” ኢሎም።

ሞስካ ንባዕላ ንምክልኻልን ሉኣላውነታ ንምኽባርን እውን ዝኾነ ይኹን ኣማራፂ ንምጥቃም ከምዝትግደድ እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣፍሊጦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.