Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ንኩባ መሊሳ ኣብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ኣስፊራታ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኩባ ንኮሚኒስት ሃገረ ቬነዝወላ ከም እትድግፍ ብምግላፅ ኣብ መዝገብ ዝርዝር ግብረ ራዕዲ ዝምውላ ሃገራት ዳግም ከም ዝሰፈረት ኣፍሊጣ።

ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ንክወፅእ ውሑዳት መዓልታት ኣብ ዝተረፍኦ’ዩ እዚ ውሳነ ተመሓላሊፉ ተባሂሉ።

ሰብ መዚ እቲ ምምሕዳር፥ ኩባ መንግስቲ ኣሜሪካ ንዘይቕበሎ መራሒ ቬነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ ትድግፍ እያ ይብሉ።

ብምኽንያት እዚ መንግስቲ ኩባ ተሓታቲ ክኸውንን ስርዓት ካስትሮ ዓለምለኻዊ ግብረ ራዕዲ ምድጋፍን ምንዓብ ፍትሒ ኣሜሪካን ጠጠው ንከብሎ ግልፂ መልእኽቲ ከነሕልፍን ንደሊ ኢሉ።

ኩባ ግን ነዚ ውሳነ “ፖለቲካዊ በለፅ” ክትብል ነፂጋቶ ኣላ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.