Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ምስ ዘለዋ ሃገራት ብምትሕብባር እተካይዶ ወፍሪ ፀረ ግብረ ራዕዲ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ምስ ኣብቲ ቀጠና ዘለዋ ሃገራት ብምትሕብባር እተካይዶ ወፍሪ ፀረ ግብረ ራዕዲ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል  ኣፍሊጣ።

ዋና ኣዛዚ ፍሉይ ወፍሪ ኣሜሪካን ኣፍሪካን ሜጀር ጀኔራል ዳቪገን ኣንደርሰን ኣብ ክሊ ምንቅስቓስ ምክልኻል ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮናን ወፍሪ ፀረ ግብረ ራዕዲን ብዝምልከት ኣብ ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣፍሪካ ንዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ብኢንተርኔት መብርሂ ሂቦም።

እቶም ዋና ኣዛዚ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣሸበርቲን ፅንፈኛታትን ክሳብ ዘይጠፍኡ ኣብ ኣፍሪካ ዝካየድ ወፍሪ ፀረ ግብረ ራዕዲ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ደው ኣየብሎን ኢሎም።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ዝካየድ ወፍሪ ፀረ ግብረ ራዕዲ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ኣሚሶምም ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ከምእተጠናኽር እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ሶማሊያ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኣልሸባብ ሙሉእ ብሙሉእ እንተዘይተደምሲሱ ኣብቲ ቀጠና ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ኣይፍጠርን እውን ኢሎም።

ስለዝኾነ ብሄራዊ ጦር ሶማሊያ ንክጠናኸር ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለዋ ሃገራት ወፍሪ ፀረ ግብረ ራዕዲ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽእል ድጋፍ ኣብ ምግባር ኣሜሪካ ከምእትነጥፍ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.