Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኩለመዳያዊ ሰላም ንክመፅእ ብጎንፂ ዝተጎድኡ ዜጋታት ንምሕጋዝ ከምዝወሰነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ ደው ንምባል እናተሰርሑ ዘለዉ ተግባራትን ስራሕትን ብዝምልከት መግለፂ ሂቦም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝፈጠሮ ኵናትን ወራርን ተታሒዞም ቦታታት ከምኡ እውን ብምክንያት ዝተፈላለዩ ጎንፂታት ህዝቢ ንፀገም ከምዝተቓልዑ ብምዝኽኻር እቲ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ብክልላትን ብመግስቲ ፌዴራልን ዝተወሰደ ስጉምቲ ንኢዶም።

ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይን ዓፋርን ኣብ ኩነታት ፀገም ዝርከቡ ዜጋታት ሓገዝ ሰብኣዊ ንክበፅሓሎም ንምግባር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝነኣዱ ብሊንከን፥ ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን እውን ዘይተቛረፀ ህፁፅ ሓገዝ ብቲ ኵናት ንዝተጎድኡ ወገናት ከምዘድልይ ተዛሪቦም።

ኣሜሪካ ኣብዚ ከይዲ ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾነት ከምዝገፁ ካብ  ቢሮ ጉዳይ ወፃኢ እታ ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ።

ብካልእ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ ብኩለመዳይ ሰላም ንክመፅእ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተወሰዱ ሰጉምቲታት ዝነኣደ እቲ መግለፂ፥ ኣብ ትግራይ ክልል ኩነታት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ፃዕሪታት ንክጠናኸሩ ከምዝሓተቱ ካብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.