Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ንግልጋሎት መፅለሊ ዝውዕል 1 ሺሕን 500 ሓገዝ ዝተጠቕለለ ፕላስቲክ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ንግልጋሎት መፅለሊ ዝውዕል 1 ሺሕን 500 ሓገዝ ዝተጠቕለለ ፕላስቲክ ምግባሩ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕላስቲክ ብዓለም ለኸ ትካል ፍልሰት ኣቢሉ ኣብ ናብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ዜጋታት ዝከፋፈል እንትኸውን፥ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጌታ ፓሲ ነቲ ትካል ኣረኪበን።

ልዑል ኣገልግሎት ከምዝህብ ዝተሓበረ እቲ መፅለሊ ፕላስቲክ ብቐጥታ ናብ ክልል ትግራይ ከምዝጓዓዓዝ እውን ተሓቢሩ።

ኣምባሳደር ጌታ ፓሲ ኣብ ክልል ትግራይ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ንምቕራብ ምስ ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ተሓባበርቲ መሓዙት ኣካላትን ብምትሕብባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቲ ንመፅለሊ ዝኸውን ፕላስቲክ ን82 ሺሕን 500 ዜጋታት ከምዝከፋፈል ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.